ሓገዝ ሂወት ምድሓን-ንህፃን ስነጥበባዊ ቃልኣብ ገብረስላሴ Medical Help
Donation protected
ህፁፅ ናይ ሓገዝ ፃዊዒት
ሰላም ንኹልኹም ኣሕዋተይ፣ ኣሓተይ ከምኡ ድማ ወለደይ:: ህፃን ቃልኣብ ገ/ስላሴ (ዕድመ-8) ብዘለዎ ፍሉይ ተውህቦ ኣብ ስነ-ጥበብ ትግርኛ ዑዙዝ ተሳትፎ እናገበረ ምፅንሑ ዝፍለጥ እዩ። ኮይኑ ግና ሐዚ ብዘጋጠሞ ናይ ሕማም ፀገም (ሕፅረት ዕቤት ሆሮሞን) ሂወቱ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ይርከብ። ቃልኣብ ኣጋጢምዎ ዘሎ ናይ ጥዕና ፀገም ኣብ ዓዲ ውሽጢ ክሕከም ስለዘይኽእል ሓኻይም ናብ ወፃኢ ዓዲ ኸይዱ ንኽሕከም ገሊፆሙሉ ኣለው። እንተኾነ ግን ወፃኢ ኸይዱ ንኽሕከም ወለዱ ዓቅሚ ስለዘይብሎም ብውሻጠና ሚድያ (መ/ር ሙሉ) ኣቢሎም ኩሉ ሰብ በቢዝኸኣሎ ዓቅሙ ንኽሕግዞም ተላቢዎም ኣለው።
ስለዚ ሳኣን ሕክምና ናይ ፅባሕ ተስፋ ዝኾነ ባዓል ፍሉይ ተውህቦ ህፃን ቃልኣብ ከይንስእኖ ኩልና በቢዝኸኣልናዮ ሂወቱ ንምድሓን ንረባረብ። ቃልኣብን ቃልኣባትን ምድሓን ማለት ቀፃላይ ተስፋ ትግራይ ምልምላም ማለት እዩ እሞ ኩልና $10፣ $20 ትኹን $30 ከከም ዓቅምና ኣለናልካ ንበሎ። ንእትገብሩልና ናይ ሂወት ምድሓን ሓገዝ ካብ ልቢ ነመስግን። ስለቲ ሰናይ ስራሕኹም ፈጣሪ
ኣብዚሑ ይሃብኩም። ንተወሳኻ ሓበሬታ ወይ ብቀጥታ ምኽፋል ንእትኽእሉ:
ቁፅሪ ባንኪ: 1000531536588 (ስላስ ኪሮስ- ወላዲት)
Greetings all, my name is Kaleab G/Slassie (ህፃን ቃልኣብ ገ/ስላሴ), 8 years old who I am living with my family in Ethiopia. I am very passionate about Tigrigna Arts like dance, poem, films, and other talents at a very early age. (see some of my works at: https://youtu.be/69QrajCZBJ8?si=tsP0u8uaq3EtJnYL https://youtu.be/3WNHydNRoto
However, I am suffering with Growth Hormone Deficiency Disorder (ሕፅረት ዕቤት ሆሮሞን) and my doctors have referred me to abroad for medical treatment. My hope is getting dark as my family couldn’t afford the medical cost and hence kindly ask your generous support by contributing to this GoFundMe account. I am sure through your collective support and prayer I will get it back to my health/normal condition and achieve my dream. God bless for your kind contribution.
Organizer
Gebremedhin Gebreegziabher
Organizer
Truganina, VIC