
ናይ ማህጸን ካንሰር ሓሚመ ሓግዙኒ
Donation protected
ናይ ማህጸን ካንሰር ሓሚማ ትሳቀ ኣላ ኣዴና፣
ምሉእ ስማ ኣበባ ወልዳት እያ ትባሃል። ትነበርሉ ዓዲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ ኮይኑ ኣውሊዕ ጸውሪ ዝባሃል ዓዲ እዩ። ኣብዚ ሕጂ ስዓት ግን ናይ ማህጸን ካንሰር ሓሚማ፣ ሕኽምና ንምግባር ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እያ መጽያ ዘላ። እዛ ኣደ እዚ ሕማም ካብ ዝጅምራ ቀሊል ግዜ ኣይገበረን፣ ካብታ ዝጀመራ ስዓት ክሳብ እታ ካብ ኤርትራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝመጸትሉ ግዜ ኣብ ኣስመራ ብዙሕ ግዜ ናብ ሕክምና ተመላሊሳ እያ፣ ጌና እቲ ሕማም ከይሳዕረረ ውን ኣብ ኤርትራ ትሓኪማ ክትሓውየሉ ተኽእሎታት ኔሩዋ እዩ፣ ግን ካኣ ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብ እቲ ግዜ ስለ ዝተናውሐ እቲ ሕማም ናብ ዝኸፍአ ደረጃ በጺሑ፣ ሓካይም ልዕሊ ዓቅሞም ስለ ዝኾነ ኣብ ኤርትራ ክትሕከም ከምዘይትኽል ነጊሮም፣ ካብ ኤርትራ ወጽያ ንኽትሕከም እዮም ሓቢሮማ።
ብከምዚ ካኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝሓሸ ሕክምና ንምርካብ መጽያ፣ ዝግባእ መርመራታት ድሕሪ ምግባራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክትሕከም ከምትኽእል እዮም ነጊሮማ፣ ይኩን እምበር እቲ ዝተሓተተኦ ገንዘብ ግን ካብ ዓቅማ ንላዕሊ እዩ ኮይኑ። 10,000 ዶላር ኣያ ትሓቲታ ዘላ። ነዚ 10 ዶላር ንምእካብ ካብ ኣብ ሆላንድ ዝርከብ ወደን ካልኦት ቤተሰብን ኣኳ ሓገዝ ሓቲታ እንተነበረት ክንድቲ ትሓቲታቶ ዘላ ገንዘብ ግን ክረኽቡላ ከምዘይክእሉ እዮም ነጊሮማ። እቲ ኣብ ሆላንድ ዝነብር ወዳ፣ ናይ ጥዕና ጸገም ጌሩ ከም ዝነነበረን በዚ ምኽንያትካኣ ብዙሕ ይሰርሕ ከምዘየነበረን እተን ዝነበሮ ቅሩብ ቁራቦ ድማ ኣብ ሊብያ ሓዉ ተታሒዝዎ 3 ግዜ ክፈል ምስተባህለ ኣብ ኤውሮጳ ንዝርከቡ ቤትሰብ ሓግዙን ኢሉ እዩ ከፊሉሉ። ይኩን ኣምበር ሓዉ ክሳብ ሕጂ ካብ ሊብያ ኣይወጸን ኣሎ።
በዚ ምኽንያታት ካኣ፣ እዚ ኣብ ሆላንድ ዝርከብ ወዳ እተነ ዝነበሮ ነጊፉ ስለ ዝጸንሐ ኣዴኡ እናተቀንዘወትን እናተስቀየትን ወላ ሃንቲ ክገብር ኣይካለን። እቲ ናይ ዕለታዊ ዘድለየን ገንዘብ እኳ ንሱ ኹሉ ግዜ ክሰደላ ዓቅሚ ስለ ዘይረኸበ ቤተሰብን መቅርቡን እዮም ዝሕግዝዎ ዘለዉ።
ኣምባእርከስ ክቡራትን ጉዳሳትን ሰብ ሕልና ዝኾንኩም ቤትሰብ ማሁስታር፣ ኣዴና ኣበባ ኣብዚ ሕጂ ስዓት ኣብ ሕማቅ ኩነታት እያ ዘላ፣ ማዓልታዊ ካብ ማህጸና ብዙሕ ደም ይፈሳ ቃንዛ ውን ኣለዋ፣ ነቲ ንግዝያዊ መድሃኒ እኳ ክትረብ ኣይካኣለትን ኣብ ሓደ ቤትሰክርስታን ናይ ዓቅሊ ጽበት ጸበል ትልከ ዘላ።ስለዚ ኣብ ትሕቲ ፈጣሪ ካብዚ ሓሚማቶ ዘላ ህማም ናይ ማህጸን ካንሰር ክትሓዊ በብዝዓቅምና ሓገዝ ክነበርክተላ ልባዊ ምህጽንታይ የቅርበልኩም።
10 ሽሕ ዶላር ኣብ ሓደ ሰብ ብዙሕ እዩ ኣብ ሽሕ ሰባት ግን ዓዓሰርተ ቅርሺ እየን እሞ ዘዝዓምና ነዘን ኣደ ካብዚ ዘለዎ ስቃይን ቃንዛን ኣብ ትሕቲ ፈጣሪ ነድሕነን። ሰብ ክሓምም ክወድቅ ክሽገር ባህርያዊ እዩ፣ ሰብ ኮይና፣ ንዝሓመመን ንዝወደቀን ከሙኡ ውን ንዝተሸገረን ምሕጋዝ ካኣ ጭዋ ነገር እዩ እሞ ሃየ ኢደይ ኢድካ ንበል።
Fundraising team (2)
Mahmud Hussein
Organizer
Nogent-sur-Oise, B6
Mahmud Hussein
Beneficiary
Fikrey Gereamlak
Team member