Main fundraiser photo

Let's Maintain Peace & Harmony - Eritrea & Tigray

Donation protected

Peace and Harmony between the peoples of Eritrea and Tigray!

Eritrean Coordination for the Salvation of the Eritrean People (ECSEP) is a world-wide movement of likeminded people committed to the Salvation of Eritrea and promotion of harmony with the people of Tigray.

ECSEP has taken a bold initiative to create a platform where Eritreans and Tegaru work together to bring about a change of attitude for the betterment of both people.

Support ECSEP’s efforts to bring the Eritrean and Tigray people together to establish peaceful coexistence!

We seek financial support to facilitate reconciliation and peace in the wake of the war and the atrocities that followed.

Help us raise funds to:

1.Support Eritrean refugees and Tegaru in Tigray and other places, whose lives have been disrupted by the war.

2. Equip Eritreans who are currently in Tigray and other places with relevant tools and practical means so that they will be in a better position to engage actively to address the root cause of their migration and displacement.

3. Sponsor social scientists and researchers to produce policy documents to assist ECSEP’s reconciliation efforts. The brutal war was designed to widen and perpetuate animosity. A concerted effort will be needed to study and identify ways of strengthening the strategic relationship of the two people building on the historical, cultural and linguistic ties, and recognizing the co-dependency of prosperous future.

4. Engage with leaders in Tigray and around the world to achieve our stated objectives.

 

 

ህዝባዊ ጻውዒት ንምድንፋዕ ማዕከን ተበግሶ ምውህሃድ ኤርትራውያን ንድሕነት ህዝቢ ኤርትራ

ተበግሶ ምውህሃድ ኤርትራውያን ንድሕነት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ስኒትን ነባሪ ሰላምን ንምስፋን ዝገብሮ ጻዕሪ ንምዕዋት ኢደይ ኢድካ ንበል!

ብምሕዝነታዊ መኸተ ሓባራዊ ጸላእቲ፡ ድሕነት ህዝቢ ኤርትራ ብምርግጋጽ፡ ምስ ህዝቢ ትግራይ ዕርቅን ስኒትን ብምፍጣር ኣብ መንጎ ክልቲኦም ህዝብታት ቀጻልነት ዘለዎ ነባሪ ሰላምን ፍቕርን ንምስፋን ዝነቐለ ተበግሶ ምውህሃድ ኤርትራውያን ንድሕነት ህዝቢ ኤርትራ ሓንጺጹዎ ንዘሎ ንጹርን ቅዱስን ዕላማ ንምዕዋት ዘካይዶ ጻዕሪ ብገንዘብ ንምድጋፍ፡ ኢደይ ኢድካ ክትብሉ ብኣኽብሮት ይጽውዕ።

ምውህሃድ ኤርትራውያን ንድሕነት ህዝቢ ኤርትራ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ህዝብታት ጽልእን ሕነን ንምዝራእን ንምብኣስን ዝዓለመ ወራር፡ ኤርትራውያንን ተጋሩን ብኣጋ ክነቕሑሉ፡ ኣሉታዊ ሳዕቤናቱ ብሓባራዊ ምሕዝነታዊ ቃልሲ ኣፍሺሎም ንህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ዝያዳ ብምቅርራብ ህሉውን መጻእን ወለዶታቶም ዝቐስኑሉ ርጉእን ስልጡንን ሃዋህው ንምፍጣር ወሲዱዎ ዘሎ ዕቱብ ተበግሶ፡ በዚ እትገብሩሉ ገንዘባዊ ሓገዝ ኣብ ስራሕ ንምውዓሎም ብቐዳምነት ሰሪዑዎም ካብ ዘለዉ መደባት እዞም ዝስዕቡ ብኣብነት ምጥቃስ ይከኣል።

1ይ - ነቶም ኣብ ትግራይን ካልኦት ቦታታትን ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ግዳይ ሳዕቤናት ኲናት ዝኾኑ ተጋሩን ምሕጋዝ፡

2ይ - ኣብ ትግራይ፡ ኢትዮጵያ ብሓፈሻን ካልኦት ሃገራትን ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ተጸበይቲ ካብ ምዃን ወጺኦም፡ ንመሰረታዊ ጸገማት ስደትን ምፍንቓልን ነባሪ ፍታሕ ኣብ ምምጻእ ንጡፋት ተሳተፍቲ ክኾኑ መታን፡ ዘድልዮም ኩሉ ዓይነት ሓገዛት ብምግባር ዓቕሚ ደሊቦም ኣውንታዊ ኣበርክቶ ክገብሩ ምሕብሓብን ምትብባዕን፡

3ይ - ክኢላታት ማሕበራዊ ስነፍልጠትን ተመራመርትን ብምምዋል፡ ነቲ ምውህሃድ ኤርትራውያን ንድሕነት ህዝቢ ኤርትራ ሓንጹጹዎ ዘሎ ናይ ዕርቅን ስኒትን ተበግሶ ኣብ ምዕዋትን ዘላቒ ኣብ ብምግባሩን ዝሕግዙ ናይ ፖሊስን ስትራተጂን መወከሲ ሰነዳት ከምዘዳልዉ ምግባር፡

4ይ - ነዚ ብምሕዝነታዊ ቃልስን ምትሕብባርን ኣድማዒ ውጺኢት ከመዝግብ ዝኽእል ናይ ዕርቅን ስኒትን ተበግሶ ብተሳታፍነት ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ንምዕዋቱ፡ ምስ ህዝብን ማሕበራትን መሪሕነትን ትግራይ ስሩዕ ሓባራዊ ርክባትን ዘተን ምክያድ።

ንዕላማታትን ንጥፈታትን ተበግሶ ምውህሃድ ኤርትራውያን ንድሕነት ህዝቢ ኤርትራ ተወሳኺ መረዳእታ ንምርካብ ምስ እትደልዩ ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሓጺር ጥብቆ ምውካስ ይከኣል።

ወራርን ኲናትን ስደትን ምዝንባልን ብፍቕርን ሰላምን ተሳዒሮም፡ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ንሓዋሩ ቀሲኖም ክነበሩ፡ ነዚ ምውህሃድ ኤርትራውያን ንድሕነት ህዝቢ ኤርትራ ወሲዱዎ ዘሎ ሰናይ ተበግሶ ንምዕዋት ኢደይ ኢድካ ንበል!

 

ብምሕዝነታዊ ቃልሲ ሓባራዊ ሰላም ክንሃንጽ ኢና!

 

ተበግሶ ምውህሃድ ኤርትራውያን ንድሕነት ህዝቢ ኤርትራ

 

መወከሲ ሰነድ ምውህሃድ ኤርትራውያን ንድሕነት ህዝቢ ኤርትራ፡

 

 

For more information, please visit  our fact sheet  link at 

https://asenatv.com/factsheet-eritrean-coordination-for-the-salvation-of-the-eritrean-people-ecsep/


 

Donate

Donations 

  • Henok Eyasu Haile
    • £60
    • 2 yrs
  • Henok Eyasu Haile
    • £60
    • 3 yrs
  • Henok Eyasu Haile
    • £60
    • 3 yrs
  • Henok Eyasu Haile
    • £60
    • 3 yrs
  • Henok Eyasu Haile
    • £60
    • 3 yrs
Donate

Organizer and beneficiary

SaveEritrea (ECSEP)
Organizer
England
Save Eritrea Project
Beneficiary

Your easy, powerful, and trusted home for help

  • Easy

    Donate quickly and easily

  • Powerful

    Send help right to the people and causes you care about

  • Trusted

    Your donation is protected by the GoFundMe Giving Guarantee