Fund Baytona
National Congress of Great Tigray is asking for your contribution to our fundraiser campaign, #FundBaytona. Your support will help us to be able to better prepared & become strong contender in the up coming election of Tigray.
A donation of any amount would truly make a difference to our campaign.
If each one of you could also share our fundraiser link with your friends, it would mean so much. The more people hear about our cause, the quicker we can reach our fundraising goal.
ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና) ትግራይ ዝልውጣ ካብ ናይ ትግራይ ባህሊ፣ መንነት፣ ስልጣነን ታሪኽን ዝቕዳሕ ትግራዋይ ዝኾነ ስነ ሓሳብ ክትክተል እንተላ እዩ ኢሉ ይኣምን። ትግራይ ብመስመር 'ስርዓት ባይቶ' ውሽጣዊ ዓቕምታታን ትኽክለኛ መንታንዊ ሃፍትታታን ክትፍትሽ ፤ ምስ ዘበናዊ ቴክኖሎጂ ክተዋህድ፤ ቁጠባኣ ብልምዓታዊ ባይቶ እናተቓነየ ስሉጥ ልምዓት ክተርኢ ኣለዋ። ፖለቲካዊ ምሕደራኣ ድማ ንስነ-ልቦናን ባህግን ህዝብና ዝምጥን ገስጋሳይ መስመር ክሕዝ፣ ትካላውነት ዘስፍንን ሓፋሽ ህዝብና ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ብሙሉእነት ብናይማን ዘሳትፍ ባይቶኣዊ ዴሞክራሲ (Grass Root level Radical Democracy) ተግባራዊ ክኸውን ኣለዎ ይብል። ባይቶና ዓባይ ትግራይ ናብ ዙፋን ስልጣነኣ ክትምለስ፣ ስልጣነ ትግራይ ክትስእ ዝገብር ትኽክለኛ ፖሊሲን ስትራተጅን ሓንፂፁ ትግራይ ቀላሲት ቀርኒ ኣፍሪካ ክትኮን ንምግባር ዝተልዓለ ውድብ እዩ። ትግራይ ከምቲ ተብሃጋይ ኣክሱማዊ ስልጣንኣ መሊሳ "ዓባይ!" ክትከውን፣ ካብ ድሑር ናይ ምጥፍፋእን ቂምን ፖለቲካ ነፃ ዝኾነ ሓቋፋይ መድረኽ ክትውንን፣ ንዝፍጠሩ ሓደሽቲ ሓሳባት ድማ ተግባራዊ ጭቡጥነቶም እናራኣየ (Pragmatist) ኮይና ናብቲ ዘለዋ ሓሳብ እናፀምበረት ክተስጉም አለዋ ይብል። ንሓድነት ትግራይ ፀኒዕኻ ምስራሕ ፤ ባይቶኣዊ ዝኾነ ስርዓት ተጋሩ ዳግም ብምኹስኳስ ሓቀኛ መንነት ተጋሩ ምስ ቴክኖሎጂ ኣዋሂድካ ንልምዓት ምውዓል ብዝብሉ መትከላት ዝምራሕ ውድብ ኮይኑ ተጋሩ ብሄራዊ ረብሓና ነፂርና ተሓጋጊዝና ብምስራሕ፣ ንውሽጣውን ደጋውን ፀላእቲ ድማ ከም ትግራዋይ ብሓደ ረቢብና ብምምካት ሉኣላውነትን ሓድነትን ትግራይ ዝበለፀ ተኾሊዑ ክቕፅል ብወነን ብትረትን ከም ኣቦታትና ክንቃለስ ኣለና ኢሉ ይኣምን። ኣብዙ ሐዚ እዋን ውድብና ውዲትን ሽርሕን ፀላእቲ ብቓልሱ እናፈሸለ ጎኒ ንጎኒ ንመረፃ 2012 ኣብ ትግራይ ሓያል ተናሓናሒ ኮይኑ ንምቕራብ ኣብ ምሽብሻብ ይርከብ። ብሓደ ወገን ትግራይ መሰል ዓርሰ ውሳነኣ ክተረጋግፅ፣ ቤት ምኽሪ ትግራይ ስልጡንን ውዕውዕን ክትዕ ዝካየደሉ ህዝብና ዝብህጎ መድረኽ ክኸውን፣ ትግራይ ዘለዋ ናይ ሓሳብን ሓይሊ ሰብን ዓቕሚ ከምኡውን መሬታ ዝውንኖ ሃፍተ ገነት ፀንቂቓ ብምጥቃም ልዕልናኣ ክተረጋግፅ ንምግባር ዓሊሙ ባይቶና ይዳሎ አሎ። ብኻሊእ ገፅ ድማ ሕዱራት ፀላእትና ዝፍሕስዎም ተንኮላትን ሽርሕታትን ብዘየዳግም መንገዲ ብምስዓር ዘላቒ ረብሓን ባህግን ዓባይ ትግራይ ጋህዲ ንምግባር ባይቶና ዘይተሓለለ ቃልሲ እናካየደ ይርከብ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ውድብና "መረፃ ናይ ህልውና ጉዳይ እዩ" ዝብለሉ ምኽንያት ትግራይና ሕጋዊ መንግስቲ ክህልዋ ብምግባር ስልጣን ፌደራል ዝጨበጠ ዘይሕጋውን ጨፍላቕን አሃዳዊ ስርዓት ንሓዋሩ ከምዘይለዓል ብምስባር ብሄራዊ ረብሓን ሉኣላውነትን ትግራይ ብዘላቕነት ክገሃድ አለዎ ኢሉ ይኣምን። በዚ መሰረትድማ ብዓይኒ ባይቶና ትግራይ ደጋዊ ሓደጋ እናመከተት ዕውትን መርኣያ ዝኸውንን መረፃ ብምክያድ ሉኣላዊነታን ክብራን ክትዕቅብ ኣለዋ። ስለዝኾነ ባይቶና ዓባይን ሓያልን ትግራይ ንምግሃድ ዝገብሮ ቃልሲ ንምዕዋት ኣብ መላእ ዓለም ዘለኹም ደገፍቲ ቃልስና ዝኾንኩም ደቂ ዓባይ ትግራይ ናብዛ ብውድብና ዝተዳለወት መተኣኻኸቢት ሓገዝ ኣስተዋፅኦኹም ብምብርካት ኣካል እዚ ቅዱስ ዕላማ ክትኮኑ ብኽብሪ ንፅውዕ። ብቐጥታ ናብ ሕጋዊ ቁፅሪ ሒሳብ ባይቶና ንምእታው እትደልዩ ድማ:- አንበሳ ባንኪ (lion international bank) Beherawi Bayto Abay Tigray 0031091737676 Swift: LIBSETAA ዝብል ክትጥቀሙ ንላቦ።ትግራይና ዳግማይ ናብ ልዕልናኣ ክንምልሳ ኢና። ዓባይ ትግራይ ብባይቶኣዊ ስነ-ሓሳብ ጋህዲ ክትከውን እያ። ዘለኣለማዊ ክብሪ ሂወትን ኣካልን ገቢሮም ሕድሪ ዝገደፉልና ኣያታትና!