Fundraise to help the family of Haile Mesfin
Donation protected
ዝኸብርኩምን ዝኸበርክንን ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፡ በዚ ሎም ቅነ ኣብ እስራኤል ዘጋጠመ ፍጻመ ዘይሓዘነን ዘይተሰምዖን ሰብ ይህሉ ኢልና ኣይንሓስብን። ሓውና ሃይለ መስፍን ስራሕ ወፊሩ ናብ ዘዕርፈላ ገዝኡን ዝፈትዎም ስድርኡን እንዳ ተመልሰ ከሎ ሓደጋ ስለ ዘደቑዎ፡ ከም ንቡር ከይተላዘበን ከይተላበወን እዩ ሓሊፉ። ከም ሳዕቤን ድማ፡ ራሕሪሕዎም ዝኸደ ተናበይቲ ኣብ ሓደጋ ወዲቖም ኣለዎ። ኣብ እስራኤል ዝነብሩ ስደተኛታት ከመይ ዓይነት ህይወት የሕልፉ ንኹላትና ርዱእ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ በዓልቲ ቤቱ ትኹን ካብ መዋቲ ሓውና ዝዕንገሉ ዝነበሩ ደቁ ኣብ ከቢድ ሓዘን ጥሒሎም፡ ጽባሖም ክግምቱ ኣብ ዘይክእልሉ ባይታ ከም ዝርከቡ ፍሉጥ እዩ።
ስለዚ፡ ጉዳይ ቀተልትን ኣቀታትልኡን ብሕጊ ክሳብ ዝረጋገጽ፡ እዛ ኣብ ሓዘን ተሸሚማ ዘላ ስድራ ቤት መዋቲ ንግዚይዊ ሽግራ መፍትሒ ዝኸውን ህጹጽ ሓገዝ ስለ ዘድልያ፡ ንሕና ደለይቲ ፍትሒ ዳላስን ፎርትዎርዝን ተበግሶ ብምውሳድ ነዚ ናይ ጎ ፋንድ ሚ (GoFundMe) ኣካውንት ከፊትና ኣለና። ሓምሳ ለሚን ንሓደ ሸኽሙ፡ ንሓምሳ ግን ሽታ እዩ'ሞ ደገፍኩም ኣይፈለየና።
ንእትገብሩዎ ሓገዝ ብስም ስድራ ቤት መዋቲ ኣቐዲምና ነመስግን።
ፈጣሪ ንመዋቲ መንግስተ ሰማይ የዋርሶ፡
ንስድራ ቤትን ፈተውትን ድማ ምጽንናዕ ይሃብ።
ብርጌድ ንሓመዱ
ዳላስን ፎርት ዎርዝን
ቴክሳስ፡ ሕ.መ.ኣ.
Organizer
Elsa Tesfagiorgis
Organizer
Mesquite, TX