ሓገዝ ንኽቡር ዋጋ ዝተኸፍሎ ሰለስተ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መዝገበ ቃላት እብራይስጢ
Donation protected
መጽሓፍ ቅዱስ ብኣገዳስነቱን ዝርጋሐኡን ኣብዛ ዓለም፡ ቀዳማይ ቅዱስ መጽሓፍ ብምዃኑ ሓበን ኲሉ ክርስትያን እዩ። ነበብቱ ብዝተፋላለየ ቋንቋ እናበዝሑ ይመጹ ምህላዎም'ውን ዘነይት እዩ። ነዚ ቅዱስ ቃል ንምርዳኡ ምንባብ ጥራይ እኹል እኳ እንተዀነ ምምርማር እውን ኣገዳሲ ይገብሮ፡ ከመይሲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተደርሰሉ ጊዜን ናይቲ ዘመን ባህልን ቋንቋን ታሪኽን ካብዚ ዘሎናዮ ርሑቕ ብምዃኑ።
ህዝቢ ትግርኛ፡ ብቋንቋኡ ዘንብቦ ቅዱስ መጽሓፍ፡ ካብ ዝረኸቡ ህዝብታት ሓደ እዩ። ከም ኣገዳስነቱ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ንኽንርድኦ ክሕግዙና ዝኽእሉ ጽሑፋት’ውን ብዓይነት ውሑዳት ይኹኑ እንበር ኣሎዉና። እዚ ሎሚ ተዳልዩ ንሕትመት ንኽበቅዕ ኣብ መስርሕ ዘሎ መዝገበ ቃላት እብራይስጢ’ውን፡ ኣካል ናይ’ቲ ብዙሕ ዝተዓየን ክዕየ ዘሎዎን ብምዃኑ ኣገዳስነቱ ዓቢ ይገብሮ። ኲሉ መጽሓፍ ቅድሱ ክምርምር ዝደሊ፡ ቋንቋን ባህልን ታሪኽን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ብፍላይ’ውን ትርጉም ንኽፈልጥ መወከሲ የድልዮ። ስለ'ዚ መዝገበ ቃላት እብራይስጢ ትግርኛ ነዚ ግድል ንምፍታሕ ዓቢ እጃም ከበርክት ይኽእል እዩ ኢለ ይኣምን።
መስርሕ ምድላው መዝገበ ቃላት እብራይስጢ ትግርኛ ነዊሕን ኣድካምን ጊዜን ዓቕምን ዝሓተተ እዩ። ነዚ ንምርዳኡን ንምድላ’ውን ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ወሲዱ ኣሎ። እዚ ድማ ኣዝዩ ኣድካሚ ስራሕ እዩ ኔሩ። እዚ መዝገበ ቃላት ንዂሉ ዓቕሚ ሰብ ንኸካትት ተባሂሉ ኣብ ሰለስተ ተኸፊሉ ኣሎ፦ መዝገበ ቃላት እብራይስጢ-ትግርኛ፥ እንግሊዝኛ-ትግርኛን ትግርኛ-ትግርኛን።
እዚ ብዓይነቱ ፍሉይ ዝዀነ ስራሕ ኣብ ጥቕሚ ንኽውዕል ክቡርን ሰናይን ሓገዝ የድሊ እዩ። ስለ’ዚ ሎሚ ኣብ’ዚ ዓቢ ስራሕ እጃምኩም ንምብርካት ቅዱስ ታሪኽ ንምስራሕን እዚ መዝገበ ቃላት ተሓቲሙ ኣብ ነበብቲ ውዒሉ ብዙሓት መንፈሳውን ነፍሳውን ሓገዝ ዝረኽብሉ ንኽኸውን ሃየ ይብለኩም ሓውኹም ዜናዊ ተስፋዝጊ።

Organizer
Robel Fesshaye
Organizer
Silver Spring, MD