
Help needed for our brother Yonas Abraham.
Donation protected
ሰላም ሰላም ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ትርከቡ ኣሕዋተይ:
ኣብ ሂወትኩም ሰላምን ቅሳነትን እናተመነኹ:
ኣነ ዶልሺ ኣብርሃም ዝተብሃልኩ ነባሪት ኣዲስ-ኣባባ,ኢትዮጵያ:
እዚ ኣብ ታሕቲ ትሪኢዎ ዘለኹም ሓወይ:-
ሰሙ :- ዮናሰ ኣብርሃም ቀ/ገብረመድህን
ዕድመ:- 16
ዞባ :- ደቡብ
ን/ዞባ :- እምኒ ሓይሊ
ዓዲ:- ጠፋ ንፋስ,ዓዲ ንፋስ
ካብ ዕለት 05/11/2024 ደሃይ ኣጥፊኡ ድሕሪ ምጽናሕ:ኣሕዋተይ እነሆ ሎሚ ብከምዚ ትሪኢዎ ዘለኹም ኣስካሕካሒ መግረፍትን ማእስርትን ዘይተኣደነ ገንዘብ ግድን እንተዘይ ሰደድኩምለይ ይብል።
እምበኣር ተኣዚዝዎ ዘሎ ብዝሒ ገንዘብ 9,000$ (ትሽዓተ ሽሕ ዶላር) ኮይኑ:ነዚ ዝኸፍል ናይ ቀረባ ሰብ ሰለ ዘየለ እዚ ንኡስ ሓወይ ናብ ኣፍ-ሞት ኣብ ዘብጽሕ ስቃይ:ኩሉና ሰድራ ድማ ኣብ ከቢድ ወጥርን ጭንቀትን ንርከብ።
በጃኹም ኣሕዋተይ ሽግር ኣየጋጥምኩም ካብዚ ዘለናዮ ከቢድ ሽግር ኣድሑኑና:ምእንተ እቶም ኣውያት ዉሉዶም ዝሰምዑ ቀትርን ለይትን ብዛዕብኡ ክሓስቡ ድቃሰ ዝስኣኑ ወለዲ በብዓቀምኩም ሓጉዝና ኣሕዋተይ።
ናብ ኩሉ ንምብጻሕ ሼር ዉን ዓቢ ሓገዝ ኢዩ እሞ ሼር ብምግባር ተሓባበሩና።ንትገብሩልና ምትሕብባር ካብ ልቢ ነመሰግን።
Organizer
Henok Gebreigziabher
Organizer
Hägersten