Main fundraiser photo

Help Tigrai Media House

Tax deductible
ፃዊዒት ሓገዝ ካፍታ ናይ ትማሊ፣ ናይ ሎሚን ብኣውርኡ ድማ ናይ ፅባሕ ድምፂ ህዝቢ ትግራይ ዝኾነት ሚድያኹም ትግራይ ሚድያ ሃውስ TMH

ዝኸበርኩም ኣብ መላእ ዓለም እትርከቡ ተጋሩን ፈተውቲ ትግራይን፣ እዚ ፃዊዒት፣ ንህዝብና እታ እፍቲ እዋን ፀልማት ተስፋ ኣስኒቓ፣ ምስ ኣማኢት ሚድያታት ፀላኢ ገጢማ፣ ቃልሲ ዳያስፖራን ሜዳን ኣታኣሳሲራ ሞጎስ ህዝባ ዝኾነት ሚድያኹም ትግራይ ሚድያ ሃውስ TMH እዩ፡፡
ድሕሪ ውዕሊ ፕሪቶርያ እውን እንተኾነ ሕዚ እውን መከራ ህዝብና ኣይተወደአን፡
ልዕሊ ሚልየን ዝኾን ህዝብና ካብ መረበቱ ተመዛቢሉ ከርፋሕ ናብራ ይነብር ኣሎ፡፡
ልዕሊ ሲሶ ግዝኣት ትግራይን ኣብኡ ዘሎ ህዝብናን ሕዚ እውን ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ሓይልታት ኣሎ፡፡

ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ጉዳኣት ጀጋኑና ገና ግቡእ ሕክምናን ደገፍን ከይረኸቡ ኣብ ከቢድ ፅጉም ኩነታት ኣለው፡፡
በቲ ጅኖሳይዳዊ ኩይናት ዝበረሰት ትግራይና፣ ኣካላዊ፣ ፆታዊን ስነኣእምራዊን ጉድኣት ዝበፅሖ ህዝብና፣ ብሓፈሻ ብኹሉ መዳይ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ዝዓነወት ትግራይናን ህዝብናን ንምድሓን ገና ብዙሕ እዩ ዝተርፈና፡፡

ብፍላይ ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትግራይ ይራኣዩ ዘለዉ ህፀፃት ምሕደራን ሰብኣዊ መሰልን ካልኦት ፀገማትን ንኽፍትሑ፣ ካብ ዝኾነ ኣካል ነፃ ብምዃን ንረብሓታት ህዝቢ ትግራይ ወጊና፣ ደው ኢላ እትሙጉት፣ ዝተፈላለዩ ድምፅታትን ሓሳባትን ትግራይ እተጋውሕ ሚድያ፣ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ሕዚ እያ ተድልየና፡፡

ምእንተ ኢዚኦሙን ካልኦት ምኽንያታትን እዩ እምባኣር ኣፍቲ ፈታኒ እዋን ድምፂ ህዝቢ ምዃና ዘረጋገፀት፣ ብህዝብን ህዝብን ጥራሕ እትውነን ሚድያኹም ትግራይ ሚድያ ሃውስ TMH ህልውናኣ ክተረጋግፅን ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝሰርሐቶ ንላዕሊ፣ ብሓድሽ ኣወዳድባ፣ ኣሰራርሓን ኣቀራርባን ኣብሊፃ ንኽትሰርሕ ኩሉ ዝካኣለክን/ኩም ደገፍኩም ክትገብሩ እዚ ንተወሰነ እዋን ጥራሕ ዝፀንሕ ናይ Go Fund Me እቶት ናይ ምትእኽኻብ መስርሕ ኣዳሊና ዘለና፡፡

ኣቐዲምና ንእተበርክትዎ ሓገዝ ብሹም ህዝብና፣ ትካልናን ሰራሕተኛታት ትግራይ ሚድያ ሃውስ TMH ነመስግን፡፡
የቐንየልና፡፡

ትግራይ ሚድያ ሃውስ TMH



You can make a difference by donating today to Tigrai Media House.
Tigrai Media House (TMH) is a 501 C legally registered non-for-profit organization media platform designed to inform, inspire and engage the people of Tigray and Horn Afrika in General.
Illustration of helping hands

Give $20 and be a founding donor

Your donation is the start of the journey to success for Tigrai Media House. Your early support inspires others to donate.

Make a donation
Make a donation
Illustration of helping hands

Give $20 and be a founding donor

Your donation is the start of the journey to success for Tigrai Media House. Your early support inspires others to donate.

Make a donation
Make a donation

Organizer

Tigrai Media House
Beneficiary

Your easy, powerful, and trusted home for help

  • Easy

    Donate quickly and easily

  • Powerful

    Send help right to the people and causes you care about

  • Trusted

    Our Trust & Safety team works around the clock to keep our community safe