
ጻዊዒት ሓገዝ
Donation protected
ሰላም ዝኸበርኩም ኣሕዋት
ብመጀመርታ ንእትገብሩለይ ሓገዝ ኣቀዲመ እናመስገንኩ። ዓቢ ናይ ጥዕና ጸገም ኣጋጢሙኒ፣ ንንውሕ ዝበለ እዋን ኣብ ሕክምና ድሕሪ ምጽናሕ፣ ክልቲኤን ኮላሊተይ ካብ ስራሕ ወጻኢ ብምዃንን ድያለስስ እናገበርኩ እየ ጸኒሐ እዚ ግን ነባሪ ፍታሕ ብዘይምዃኑ ናብ፣ ናይ ምትካል ኩሊት ክሰጋገር ተመሪጹ፣ እንተኾነ እቲ ዋጋ ኣዝዩ ብዙሕ ብምዃኑ ዘዝዓቕምኹም ክትሕግዙኒ ብክብሪ ይሓትት። ሕብረተ ሰብና ሓደ ካብቲ ዘኹርዕ ባህሉ እቲ ናይ ምትሕግጋዝ መንፈስ እዩ’ሞ ኣብዚ ኣጋጢሙኒ ዘሎ ሕማም ንምድሓን ዝከኣለኩም ክትሕግዙኒ ይትስፎ።
እቲ ከቢድ ዝገብሮ ንኮላሊተይ ዘጥቕዐ ሕማም ካልእ ልፖስ ዝበሃል ኮይኑ፣ ኣካላትካ ነንባዕሉ ክበኣስ ከሎ ከም ማለት እዩ። በዚ ከኣ ነዊሕ ኣብ ሕክምና ጸኒሐ። ይኹን እምበር ክሕከም ዝኽእል ብዘይምዃኑ ናብ መጥባሕቲ ክሰጋገር ተድልዩ። እንተኾነ እዚ ናይዚ ከምዚ ዓይነት ሕማም ቀሊል ስለ ዘይኮነ ሓገዝኩም ይሓትት።
ሕማም መሪጽካ ተምጽኦ ኣይኮነን ብፍላይ ከኣ ከምዚ ዝኣመሰለ ውሽጣዊ ሕማም፣ ኣብ ንኡስ ዕድመይ ምስ ምዃኑ ከኣ ዝያዳ ከቢድ ይገብሮ። እምበኣር ነዚ ተረዲእኹም በቲ እትኽእልዎ ክትድግፉኒ ብኣኽብሮት ይጽውዕ። ደጊመ ንእትግበሩለይ ደገፍ ኣቀዲመ የመስግን።
PayPal
Organizer

LIDIA gebrehiwot
Organizer
Noranda, WA