Leke Kahnat Ayalneh Araya Haile
Donation protected
{Amharic Version}
" የጻድቅ ሰው ሞቱ በእግዚአብሔር ፊት የተከበረ ነው ::" መዝ 115:5
ሊቀ ካህናት አያልነህ በአዲስ አበባ ሀገረ ስብከት በሳሪስ አቦ ቤተ ክርስቲያን: በጀሞ ቅድስት ሥላሴ: በቤትኤል ቅዱስ ሚካኤል: ላምበረት አቡነ አረጋዊ እና ቦሌ ቡልቡላ መድኃኔዓለም በአስተዳዳሪነት ሲያገለግሉ ቆይተው ወደ ሰሜን አሜሪካ በመምጣት ፍሎሪዳ ቅድስት ሥላሴ ቤተ ክርስቲያን ለተወሰኑ ዓመታት ካገለገሉ በኋላ ወደ ኬንታኪ ደብረ ኃይል ቅዱስ ገብርኤል በመዛወር ሰፊ አገልግሎት በመስጠት ከ6 ዓመት በላይ ቆይተዋል:: በመጨረሻም ወደ ቅድስት ሀገር ተመልሰው ሕይወታቸው እስካለፈችበት ቀን ድረስ እግዚአብሔር በፍፁም ልባቸው ሲያገለግሉት ኖረው ሰኔ 13, 2015 በድንገት ከዚህ ዓለም ድካም አርፈዋል::
ይህ ጎ ፈንድ ሚ ለቀሩት ባለቤታቸውና አምስት ልጆቻቸው ማጽናኛና ከአባታችን ጸሎት በረከት እንድናገኝ ተከፈተ ::
ለባለቤታቸው ወ/ሮ ርግበይ እና ልጆቻቸው የሀዘን ጥግ ያድርግልን:: by Kesis Tagel Defar
{Tigrigna Version}
ታሪኽ ሊቀ ካህናት ኣያልነህ
ሊቀ ካህናት ኣያልነህ ኣርኣያ 05 ግንቦት 1947 ዓ.ም ኣብ ሽረ እንዳ ሥላሴ ተወሊዱ። ከም ኩሉ ተምሃራይ ፈለግ ህይወት ኣብ ዝተፈላለየ ቦታት ውዳሴ ማርያም፣ ዳዊት ፣ቅዳሴ፣ቅኔን ኣቋቋምን ተማምሂሩ። ቤተ ክርስትያኑን ህዝቡን እናግልገለ ፅኒሑ ደሓር ናብ ኣዲስ ኣበባ መፂኡ ኣብ ሳሪስ ኣቡነ ገብረመንፈስ ቅዱስ እናገልገለ እቲ ሕጂ ዘሎ ህንፃ ንክስራሕ ካብቶም ህንፃ መስራሕቲ ሓላፊ ኮይኑ ኣስሪሕዎ። ላምበረት ዘሎ ኣቡነ ኣረጋዊ እውን ኣማሓደርን እቲ ዘሎ ትሕዝቶ መሬት ቤተክርስትያን ካርታ ክትርክብን ኣኽውኢልዋ። ናብ ትግራይ ተመሊሱ እውን ብኣቡነ ኤፍሬም ሊቀ ጳጳስ ዘኣክሱምን ዘኩሉ ኣድያማት ትግራይ ፍቓድ ኣብ ሽረ እንዳ ሥላሴ እንዳ መድኃኒኣለም ቤተ ክርስትያን፣ ታሕታይ ቆራሮ፣ ላዕላይ ቆራሮ፣ መዳባይ ዛና፣ ላዕላይ ኣድያቦ ፣ ታሕታይ ኣድያቦ ኣብ ሑመራ እንዳ ሚካኤል፡ ባዕኸር ፡ ዳንሻን ማይካድራን እንተዘዋወረ ኣገልጊሉ።ናብ ኣሜሪካ ምስ መፀ እውን ኣብ ፍሎሪዳ ጃክሰንቪል እንዳ ሥላሴ ድሓር ከኣ ኣብ እናዳ ገብርኤል ኣብ ኣሜሪካ ንዓሰርተ ዓመት ኣገልጊሉ። ኣብ እንዳ ገብርኤል ኣብ ዝነበረሉ ኣብ እዋን ፆም ካብ 9 ለይቲ ኣብ ካልእ ግዘ ካብ ሰዓት 10 ለይቲ ጀሚሩ ሰዓታት ፡ ኪዳን ቅዳሴ ወንጌል ከኣ ብ ኣምሕርኛን ትግርኛን ድሕሪ ኣጋምሽት ከኣ መሐረነአብ ምህለላን ትምህርትን 7 መዓልቲ ብዘይምቁራፅ እግሩ ክሳብ ዝሓብጥ ነቶም ካብ ኩሉ ኩርናዕ ኣሜሪካን ካናዳን ዝመፁ ዝነበሩ ኣገልጊሉ። ኣእዱግ ዝውዓልሉ ዝመስል ዝነበረ ምንፃፍ ቤተ ክርስትያን ኣቐይሩ ንሠላሳ ዓመት ዝነበረ ዓዳ ቤተ ክርስትያን ክኽፈል ጌሩ። ኣብታ ዝተረፈት ሰዓቱ ብወርቂ ዝኾና ኣእዳው መጋረጃን ኣልባሳትን ሰፍዩ ኣማዕሪግዎ። ሳላ ትግሃት ኣገልግሎቱን መስዋዕቲ ዕጣኑ ቤተ ክርስትያን ዕጣን ገዳም ጨኒዩ። ናብ ዓዲ ምስ ተመለሰ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብወለንትኡ ብዘይ መሃያ ኣብ እንዳ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቁዱስን ኣቡነ ኣረጋውውን ኣብ ዝተፈላልየ ኣድባራትን ከገልግል ፀኒሑ። ኣብቲ እዋን ክባን ዕፅዋን ከም ኩሉ ትግራዋይ ንኽእሰር ክንደይ ተደልዩ ግን ሳላ ረድኤት ፈጣሪ እናጠመየን ብቑርን ማይን እናተንካራተተ ተሓቢኡ ኣሕሊፍዋ። ንኣገልግሎት ብዝነብሮ ትግሃት ከይኣዕረፈ ሰነ 13 ቤተ ክርስትያን ኣገልጊሉ ምስ ተመለሰ ኣልዕሉኒ እዚኣተይ ከይበለ ብሥጋ ካብዛ ዓለም ኣብ መበል 68 ዓመቱ ዓሪፉ። ሎሚ 14 ሰነ ከኣ ኣብ እንዳ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ሳሪስ ሓመድ ኣዳም ለቢሱ። ሊቀ ካህናት ኣቦ ብሥጋ 3 ኣዋልድን 2 ኣዋዳትን ብመንፈስ ከኣ ናይ ብዙሓት ኣቦ ነይሩ።
ኦ እግዚኦ ኣዕርፍ ነብሰ ገብርከ ገብረ ኣረጋዊ ( ሊቀ ካህናት) by Berhane Hailu
{Engish version}
It is with a heavy heart and deep sadness I share this terrible news of the passing of our Father Leke kahnat Ayalneh Araya Haile in Addis Abeba, Ethiopia. Aba Ayalneh has healed and transformed the life's of so many parishioners throughout North America and Ethiopian. Aba Ayalneh administrated the Holy water services at Debre Haile St. Gabriel Ethiopian Orthodox Tewahedo Church in Louisville, Kentucky for many years until he finally returned to his family in Ethiopian. Aba Ayalneh is survived by his wife and children.
This go fundme is open for his family in Ethiopia by Solomon Siyoum in Jacksonville Fl and kesis Tagel Defar from San Antonio, TX along with the blessing of the Spiritual Fathers that knew Aba Ayalneh personally and had the privilege of serving the Orthodox Tewahedo faith, the parishioners, and our O'Almighty God.
Organizer
Solomon Siyoum
Organizer
Jacksonville, FL