Let's help ኣድያም የማነ for Cancer treatment
Donation protected
ኣድያም ካብ ካንሰር ንኽትገላገል!
ሓፍትና ኣድያም፡ ኣብታ 6 ዝፈረየት ስድራ እንዳ ኣይተ የማነን ወ/ሮ ቅርጣሽን እንኰ ከም ሓሙስ ጓሎም እያ። ንሳ ኣብቲ ኣብ ማይተመናይ (ከባቢ እንዳ ዘይቲ) ገዛውቶም፡ ምስ ኣሕዋታን ደቂ ገዛውታን ብሰናይ መዳይ ዓብያ። ኣካዳምያዊ ትምህርታ ድማ ኣብ ከባቢ ናይ'ቲ ገዛውቲ ተኸታቲላ። እቲ መብዛሕትኡ ክፋል ዕድሜኣ ብንቡር ኩነታት ጥዕና እያ ሓሊፋቶ።
ብመሰረት ኣገላልጻ ሓዋ ዮሃንስ (ጆን)፡ ንኣድያም ኦሞሮድዮ (Hemorrhoids) ስለ ዘጥቅዓ ናብ'ቲ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ሆስፒታል ኦሮታ ገጻ ተንቀሳቒሳ። እቲ ካብ ሓካይም ሃገርና ዝረኸበቶ ግብረ መልሲ ግና ንኣድያም ኮነ ነታ ስድራ ድቦላ እዩ ዝነበረ። "እቲ ኦሞሮድዮ ናብ ሕማም ካንሰር ማዕቢሉ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ኬድኪ ክትሕከሚ ይምረጽ" ተባሂላ። ወላ'ኳ ክሳብ ሰለስተ ወርሒ ዝኣክል ናብ ኦሮታ ኣብ ዝርከብ ክሊኒክ ካንሰር እንተተመላለሰት እቲ ሕማማ ክገድዳ እምበር፡ ክሕሻሲ ኣይተራእየን።
ብድሕሪ'ዚ ንዝለዓለ ሕክምናዊ ክንክን ናብ ኣዲስ ኣበባ (ኢትዮጵያ) ካብ እተምርሕ ወርሓት ኣቑጺራ ትርከብ። ኣብ ኣዲስ ድሮ እቲ ሕክምናኣ ብውሱን ደረጃ ጀሚራ'ኳ እንተላ፡ ብዝዓበየን ዝበለጸን መዳይ - ናይ ኬሞተራፕን ራድየሽንን ከይተካይድ ዓቕሚ ገንዘብ ሓጺሩ ይርከብ።
ስለዚ ሓፍትና ኣድያም ቀስ ብቐስ ናብ ንቡር ጥዕናኣ ምእንቱ ክትምለስ ኣብ ትሕቲ ልዑል ፈጣሪ ምስ ኣባላት ስድራቤታ ኮይና ሃንቀው ትብል።
እምበኣር ኩልና ኣሓት/ኣሕዋት ብሞራልን ፋይናንሳዊ ደገፍን ብዝከኣለና መጠን ዓቕምና ዝፈቕዶ ንኽንምጡን ከም ፍቓድ ኣምላኽ ብሳላ ልግስታትና ህይወት ሓፍትና ንኽድሕን እቶም ኣባላት ስድራኣ ለበዋኦም የቕርቡ ኣለዉ።
Please SHARE (Sharing is Donating)
ጋዘጠኛ ኢሳቅ ኣብራሃም
ምስ ሓዋ ጆን የማነ
ዮሃንስ የማነ:
Organizer
Ruba Eri
Organizer
Santa Clara, CA