Mary's Medical Expencess
Donation protected
Hello, my name is MaryBokretsion. I am from Asmara, Eritrea. I am married with five children. In this video, I am appealing to you, my brothers and sisters, to help me get through my health condition. In 2018, I started noticing swellings in my arms and legs and energy loss. When I went to see my doctor, Dr. Yonatan, he diagnosed me with kidney disease. I was put on treatment, but the symptoms have gotten worse. Especially my energy level was so low that I couldn't perform my day-to-day activities. When I went back to Dr. Yonatan, he told me both my kidneys had failed. Dr. Yonatan consulted with Dr. Yemene, and they both suggested I should travel abroad to get better treatment. Consequently, I travelled to Addis Ababa, Ethiopia in January 2020. For the past two years and nine months, I have been in dialysis for four hours three days per week. In addition to dialysis, I also take other medications; a few are 11 in Ethiopia and are very expensive. Again, please, my brothers and sisters, I am appealing to you to help me raise funds to get a kidney transplant and live long enough to return home to see my children and husband.
Enter
ሰላም ኣብ ኩሉ ስፍራ ዘለኹም የሕዋተይ። ኣነ ሜሪ ቦክረጺዮን ገደ እተብሃልኩ ኣብ ኣስመራ ተወሊደ ዝዓበኩ ብዓልት ሓዳርን ኣደ ሓሙሽተ ቆልዕትን ኮይነ፥ ብዘጋጠመኒ ናይ ጥዕና ጸገም ካብ ዓደይን ሓዳረይን ደቀይን ሪሒቀ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ናይ ጥዕና ምክትታል ይርከብ። ከምዚ ኣብዛ ሓጻር ረዲኤትኩምን ሓገዝኩምን ደሊየ ጸገመይን ዘለኽዎ ኩነታትን እትገልጽ ዘዳለኽዋ ሓጻር ቪድዮ ተገሊጹ ከም ዘሎ እዚ ናይ ጥዕና ጸገም ካብ 2018 እዩ ክቀላቀለኒ ጀሚሩ፥ ከም ናይ እግሪ ምሕባጥ ናይ ኣእዳወይ ምሕባጥን ሓይሊ ናይ ምድካምን ምልክታት ክርኣዩ ምስ ጀመሩ፥ ናብ ዶክተር ዮናታን ከይደ ብዛዕባ ጥዕናይ ምስ ተመርመርኩ ናይ ኩሊት ጸገም ጌረ ከምዘለኹ ተሓቢሩኒ። እቲ ሽዕ ክግበር ዝግብኦ ሕክምናዊ ክንክን እኳ እንተ ተገብረለይ እቲ ኩነታት ግን እናብኣሰ እዩ ከይዱ። ብፍላይ ድማ ሓይለይ ደኺሙ ክሳብ እቲ ሰብ ኣብ መዓልታዊ ሂወቱ ዝገብሮ ንጥፈታት እኳ ስጋብ ምግባር ዝጽገም ሙሉእ ሓይለ ክደክም ጀሚሩ። ተመሊሰ ናብ ዶክተር ዮናታን እንተ ተመልውስኩ ክልቴኤን ኩላሊተይ ካብ ስራሕ ወጻኢ ከም ዝኮና ተነጊሩኒ። ዶክተር ዮናታን ምስ ዶክተር የማነ ኮይኖም ድማ ካብ ሃገረይ ወጻኢ ኣብ ካሊእ ከይደ ዝበለጸ ናይ ሕክምና ክትትል ክገብር ተነጊሩኒ። ካብ ሽዑ ጀሚረ ማለት ካብ ጥሪ 2020 ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይደ ክሳብ ሕጂ ኣብ ጽኑዕ ናይ ጥዕና ክትትል ይገብር ኣለኹ። ካብታ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝመጸኩላ ጀሚረ ክሳብ ሕጂ ንኣስታት ክልተ ዓመትን ትሽዓተ ወርሕን ኣብ ሰሙን ሰለስተሳብ ኩላሊተይ እናትሓጸብኩ ( dialysis) ጎኒ ጎኒውን መድሃኒት እናወሰድኩ ክሳብ ሕጂ ንምንባር ይቃለስ ኣለኩ። ሕጂ ግን ኩሉ እቲ ወጻኢታት ካብ ዓቅመይ ንላዕሊ ስለ ዝኮነ ፥ ጸገመይ ናብቲ ወገኑን ሓዉን ኣብ ምሕጋዝ ዘኩርዕ ባህሊ ዘለዎ ህዝበይ የቅርቦ። በዞም ኣብ ትሕቲ ክትትሎም ዘለኩ ዶካትር ኩሊተይ ክቅየር ከም ዘለዎ ስለ ዝተነግኒ በጃኹም የሕዋተይ በብታ ዘላትኹም ዓቅሚ ሓግዙኒ። ኣደ እቶም ገዲፈዮም ዝወጻእኩ ሓሙሽተ ደቀይ ኮይነ ደጊመ ገጾም መታን ክርኢ ፥ ደጊመ ኣደ ደቀይ ንኽኸውን ሓግዙኒ።
Organizer
Azieb Goitom
Organizer
Scarborough, ON