![Main fundraiser photo](https://images.gofundme.com/IdpSoPuNIlItniHXUmnF19-sJ74=/720x405/https://d2g8igdw686xgo.cloudfront.net/73803125_168823217727684_r.jpeg)
My Cousin Tesfay Mesgina suffering from Cancer
Donation protected
My Cousin Tesfay Mesgina suffering from Cancer
ሓንቲ ለሚን ንሓደ ሰብ ትዕርዕሮ'ያ ንብዙሓት ግን ፈውሲ እያ ። ከቢድ ሽግር ድማ ንሓደ ሰብ ልዕሊ ዓቕሙ ይኸውን፡
ንብዙሓት ግን ዝቐለለ ጾር እዩ ።
እዚ ኣብ ላዕሊ ንርእዮ ዘለና ሓውና ተጋዳላይ ተስፋይ ምስግና ኣዘነ (ወዲ ሓርቢ ) ዝተባህለ ኤርትራዊ ዜጋ ፡ ኣብ ሱር መልሓሱ ከባቢ ሳጹን ድምጺ (larynx) ሓደገኛ ካንሰር ማለት (malignant ) ስለ ዝሓመመ ፡ ንዝሓሸ ፍወሳ መንግስቲ ብዝገበረሉ ወጻኢታት ናብ ሱዳን ፡ካርቱም ኣብ ትሕቲ ሕክምና ድሕሪ ምጽንሑ ምስዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ህሉው ኩነታት ሕክምንኡ ኣቋሪጹ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ምምጻእ ፡ ኣሞ ድማ ሕማሙ ገና ግቡእ ሕክምንኡ ስለዘይዛዘመ ፡ ብወጻኢታቱ ናብ ካልእ ሃገር ከይዱ ሕክምንኡ ክቕጽል ሕክምናዊ ሓበሬታን መዲካል ቦርድ ፍቓድ ስለተዋህቦን ንህዝቡ ኣሚኑ ክብገስ ወሲኑ እሎ ።
እቲ ንሕክምንኡ ዝተሓተተ ገንዘብ ልዕሊ 70'000 usd ስለዝዀነ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ስለዝኮኖን እምንትኡ ኣብ ኩላትና ኣንቢርዎ ኣሎ ። ኩሉኹም ግዱሳትን ርህሩሃትን ኣሕዋት ኢደይ ኢድካ ኢልና ነድሕኖ ። ናትና ንእሽተይ ኣበርክቶ ተደሚራ ሂወት ስለእተድሕን።
ኣኽሊሉ ተስፋጽዮን
Organizer
![](https://images.gofundme.com/jOnntPUEhs3991NkzctP4GMfnOA=/128x128/https://www.gofundme.com/person/profiles/69883e9a571b4343aa37eb88a0aeffa8_edited_photo_1688197603750.jpeg)
MESFIN Ghebreyesus
Organizer
Lakeville, MN