ጻዉዒት ሓገዝ ንኣካለ ስንኩል መሓሪ ግርማጽዮን
Donation protected
ሰላም ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ዓለም ዘለኹም ኣሕዋትን ኣሓትን፡ እዚ ኣብ ስእሊ ትዕዘብዎ ዘለኹም ሓውና መሓሪ ግርማጽዮን ይበሃል፡፡ ሓዉና መሓሪ ኣቦ ኣርባዕተ ቆልዑ ተቐማጢ ከተማ መንደፈራ እዩ ። ገሌኹም’ዉን ብኣካል ትፈልጥዎ ትኾኑ ኢኹም ዝብል ግምት ኣለኒ።
መሓሪ ኣብ ልዕሊ ዘለዎ ኣካለ ስንክልና፡ ልዕሊ 80ሽሕ ካብ መንግስቲ ግብሪ ክኸፍል ተነጊርዎ። ነዚ ዕዳ ክኸፍሎ ስለዘይከኣለ ድማ ዝነበሮ ዋንነት ናይ ድኳን ተሃጊሩ፡፡ ከም’ዚ ኣብ ስእሊ ትዕዘብዎ ድማ ዘይምሱል መሲሉ፡ ኣብ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኩነታት ይርከብ።
እቶም ኣቐዲምኩም ትፈልጥዎ’ኳ ምስሉ ምስ ረኣኹም ሰንቢድም ትኾኑ ኢኹም።
ገለ ካብቲ ማሓሪ ብቓላቱ ዝበለኒ፡ ነዚ ዝስዕብ ይመስል፡
“ዮናስ ሓወይ፡ ደዊለ ገጢምኒ ንዘሎ ሽግር ከዕልለካ (ከካፍለካ) ዝስመዓኒ ስክፍታ ደረት ኣልቦ እዩ። ግን እንታይ እሞ ክገብር፡ ዝወረደኒ ሽግር ካብ ዓቕመይ ንላዕሊ ኮይኑ፡ ዓቕለይ ጸቢብኒ፡ መሬት ብገፋሓ ጸቢባትኒ፡፡ በጃኻ ዝከኣል እንተኾይኑ ስእለይ ክሰደልካ'ሞ፡ ንዘለኒ ሽግር ንህዝበይን ፈለጥተይን ንገረለይ።
ካብዛ ዘለኽዋ መንቀራቕሮ ናይ ሂወት ዝናገፈላ እንኮ ኣማራጺት ንዓኻ ሽግረይ ምክፋል እያ። ዝከኣል እንተኾይኑ ኣብቲ ትጥቀመሉ መራኸቢ ብዙሃን ብጽሑፍ ኣሰኒኻ ሽግረይ ንገረለይ።”
ኩቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ለባማት ወለድና ከም ዝመሰልዎ፡ ( ሓምሳ (50) ለሚን ንሓደ ሰብ ሰኸም፡ ንሓምሳ ሰብ ጨና እዩ’ሞ፡ ዓዓቕምና ኢደይ ኢድካ ኢልና ካብዛ ዘለዋ ፈታኒት እዋን ሓራ ነዉጽኣዮ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዓስብኹም ይኽፈልኩም።
ናብ ብዙሓት ሰብ ንኽበጽሕ ነካፍሎ (Share ንግበሮ)።
Organizer
Yonas Abrahaley
Organizer
Käerjeng