St. Mary & St. Michael Archangel Building project - Fund
Donation protected
በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ !!!ኣሜን: ካብቲ ዝቕበል’ሲ እቲ ዝህብ ኣዚ'ዩ ይባረኽ፡፡ ''ግ.ሐ 20፥35''
ሰላም ጎይታናን መድሓኒናን እየሱስ ክርስቶስ ምስ ኩልኻትኩም ይኹን: ኣብ ኣውስትራልያን ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዘለኹም ህዝበ ክርስትያን:: ኣብ ስራሕኩም ዓወት: ኣብ ሂይወትኩም ምሉእ ጥዕና: ኣብ ናብራኩም ሰላምን ቅሳነትን ፍቅሪን ምሳኹም ክኽውን ናይ ወትሩ ጸሎት ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና እዩ፡፡ ከም ዝፍለጥ ቤተ ክርስትያንና: ርእሰ ኣድባራት ቅድስቲ ማርያምን ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክትን: ከተማ ብሪዝበን ኣውስትራልያ:: ንምእመናን ኣሸጊሩ ዝጸንሐ ናይ ጽበት ቤተክርስቲያን: ንኣምልኾ ኮነ ንተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰንበት: እኹል መምሃሪ ቦታ ብዘይ ምንባሩ: ብፍላይ ድማ፡ ምእመናን ኣብ ጾመ 40 ይኹን ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ንኽሰግዱን ከቐድሱን ኣሸጋሪ ከምዝነበረ ኩሉ ኣብ ከተማ ብሪዝበን ዝነብር ህዝቢ ክሪኦ ዝጸንሔ ሽግር እዩ ።
ነዚ ንምፍታሕ ድማ ቤተክርስትያን ርእሰ ኣድባራት ንኩሉ እኹል ዝኾነ ሰፊሕ ቤተክርስትያን ከተስርሕ ድሕሪ ናይ ነዊሕ እዋን ድኻም: እንሆ ብፍቃድ እቲ ንኹሉ ዝኽእል ልዑል እግዝኣብሔር ስርሑ ጀሚሩ ከምዘሎ ብሓጎስ ንመላእ ህዝበ-ክርስትያን ከነበስር ንፈቱ:: እንተኮነ ተጀሚሩ ዘሎ ዕዮታት ሰፊሕን ዓቢ ባጀት ዝሓትትን ብዓቅሚ ቤተ ክርስትያንና ጥራይ ዝዕመም እውን ስለ ዘይኮነ: ተጀሚሩ ዘሎ ዕዮ ምስራሕ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ኣብ ፍጻሜ ንኽበጽሕ ኩልና ህዝበ ክርስቲያን በብዓቕምና ተሳተፍቲ ናይ'ቲ በረኸት ንክንከውን ቤተክርስትያን ብስም እቲ ህያው እግዚአብሔር ጻውዒት ተቕርበልና ኣላ::
ክብሪ ንእግዚኣብሄር ኣብ ሰማያት ሰላም ድማ ንደቂ ሰብ ኣብ ምድሪ ይኹን!!!
ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእኽትን ከተማ ብርዝበን ኣውስትራልያ::
In the name of the Father, the Son, and the Holy Spirit, Amen! “It is more blessed to give than to receive.” Acts 20:3
May the peace of the Lord Jesus Christ be with you all, Christians in Australia and all over the world. Our Holy Church remains to pray for your success in your work, full health in your life, peace, tranquillity, and love be with you. The Cathedral of St. Mary and St. Michael Archangel in Brisbane was not sufficient enough to accommodate the faithful during church services especially in Lent and at various times. Moreover, it was not a suitable environment for the Sunday school children to learn.
To address this issue, we would like to announce to the entire Christian community that after a long period of hard work, the extension of the building of the Cathedral Church has started by the will of the Almighty God. However, the building project that has been started is extensive and requires a large budget. And this can’t be accomplished within the capacity of our church alone. In the name of the almighty God, the Church appeals to all of us to be partakers of the blessings by donating even a penny so that the building of the Holy Church may be completed.
Glory to the Lord in the highest and peace be upon the earth for humankind.
St. Mary and St Michael Archangel Eritrean orthodox Tewahdo church, Brisbane Australia.
Organizer
St Mary and St Michael Archangel Eritrean Orthodox Tewahdo Church
Organizer
Munruben, QLD