Want to join us in making a difference? Aless Debesai & the family in partnership with the Eritrean Orthodox T. Diocese of NA, are raising money to benefit a future project concept that is being developed in memory of Komos Araya Tesfay and any donation will help make an impact. Thanks in advance for your contribution to this cause that means so much to us.
In Loving Memory of Komos Araya Tesfay / መዘከርታ ኣቦና ቆሞስ ኣርኣያ ተስፋይ
ኣቦና ቆሞስ ኣርኣያ ብሕማም ምኽንያት ኣብ ሆስፒታል ደንቨር ከሎራዳ ዘድሊ ሕክምናን ክንክንን ክገብረሎም ብድሕሪ ምጽናሕ ብዓርቢ ዕለት 25 ታሕሳስ 2020 ዓ/ም/ ብክብርቲ በዓልቲ ቤቶም ወ/ሮ ዓለስ ደበሳይን ደቆምን ደቂ ደቆምን ተሰንዮም ብሰላም ዓሪፊኦም።
ብ 1954 ዓም ብብጹዕ ኣቡነ ማርቆስ ጳጳስ ናይ ኤርትራ ኣብ ቅድስተ ማርያም ኣዲስ ኣበባ ማዓርግ ክህነት ተባረኹ። ቀጺሎም ዕለታዊ ናብርኦምን ሓዳሮምን እንዳ ኣካይዱ ኣብ ዓዶም ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም ብኣገልግሎት ግብረ-ክህነት ክሳብ 1970 ዓ/ም/ፈ ን17 ዓመታት ኣገልገሉ።
ብ1970 ዓ/ ም/ፈ ናብ ከተማ ኣስመራ ብምኻድ ድማ ኣብዚ ሎሚ ደብረ ገነት ኪዳነ ምህረት ፐራዲዞ ዝበሃል ዘሎ ቤተ-ክርስቲያን ምዱብ ኣገልግሎቶም ጀመሩ። ሓድሽ ህንጻ ቤተ- ክርስቲያን ንምስራሕ ከኣ ምስ ብጾቶም ካህናት ኮይኖም ልዑል ኣበርክቶ ገብሩ። ፈቖዶ ኣብያተ ክርስቲያን እንዳኸዱ ሓግዞና ብምባል ንኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ማይ ተመናይ ኣስመራ ኣህኒጾም ኣባል ሰበኻ ጉባኤን ምዱብ ካህንን ኮይኖም ን 23 ዓመታት ኣገልገሉ።
ብድሕሪ እዚ ብሰናይ ድልየት ህዝበ ክርስቲያን ነበርቲ ከተማ ኒውዮርክን ከባባቢኣን ካህን ክለኣኸሎም ብዝሓተትዎ ጠለብ መሰረት ብቡራኼ ብጹዕ ኣቡነ ፊሊጶስ ጳጳስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ተመርቖም፡ ብኣፍልጦ ግዜያዊ መንግስቲ ኤርትራ ታቦት ቅዱስ ገብሪኤል ሒዞም ኣብ ሓምለ 1993 ዓ/ም/ፈ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ኣተዉ። እዚ ከኣ ብድሕሪ ነጻነት ሃገረ ኤርትራ ቦኽሪ መንፈሳዊ ልኡኽን ናይ መጀመርያ ታቦት ኣብ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኮይና ኣብ ታሪኽተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ተመዝጊቡ ይርከብ።
ንተውሳኪ ሓበሬታ ሓጺር ታሪኽ ሕይወት ቆሞስ ኣርኣያ ተስፋይ:
www.tewahdo.org ተወከሱ።
እዚ ሓገዝ ብሽም ኣቦና ቆሞስ ኣርኣያ ተስፋይ ኣብ ዝመጽ ጊዜ ንዝስራሕ ፕሮጀከት ክኸውን አዩ። እዚ ፕሮጀክት ብኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሃገረ-ስብከት ሰሜን ኣሜርካ ተማእኪሉ፡ ምስ ቀረባ ስድራቤት ኣቦና ብምምይያጥ ዝፍጸም ፕሮጀክት ስለዝኾነ ሓገዝኩም ኣይፍለየና።
ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ ንኣቦና ኣርኣያ-ሥላሴ
ጽንዓትን ደበሳን ንምሉእ ስድራ ቤትን ምሉእ ህዝብን!
“መዘከርታ ጻድቕ ንበረኸት እዩ “ ምሳሌ 10:
=======================================================================
On Friday, December 25, 2020, the beloved Hegumen (komos) Araya Tesfay departed to be with the Lord Jesus Christ at the age of 87. Right after Eritrea declared independence in 1993, Hegumen Araya was the first priest to be sent oversea by Patriarch Philipos to serve in the USA and he was the priest of St. Gabriel Church of New York for 27 years.
For more information about life history, please visit our website at
www.tewahdo.org This memorial donation will be used on future project concept that is being developed in memory of Komos Araya Tesfay. This future project will be managed by the Eritrean Orthodox T. Diocese of NA in consultation with immediate families. Thank you for your donation.
May God rest his soul in peace.
May God give strength and comfort to the family during this difficult time.
“The memory of the just is blessed” Proverb 10
The Eritrean Orthodox Tewahdo Diocese of North America.