Tigrai Media House
TMH’s mission is to enrich the lives of Tigray people by providing captivating media through nonpartisan journalism. TMH will prom...Learn more
From Tigrai Media House
Fundraisers by the organization that needs your help
- Organized by Tigrai Media Houseፃዊዒት ሓገዝ ካፍታ ናይ ትማሊ፣ ናይ ሎሚን ብኣውርኡ ድማ ናይ ፅባሕ ድምፂ ህዝቢ ትግራይ ዝኾነት ሚድያኹም ትግራይ ሚድያ ሃውስ TMH
ዝኸበርኩም ኣብ መላእ ዓለም እትርከቡ ተጋሩን ፈተውቲ ትግራይን፣ እዚ ፃዊዒት፣ ንህዝብና እታ እፍቲ እዋን ፀልማት ተስፋ ኣስኒቓ፣ ምስ ኣማኢት ሚድያታት ፀላኢ ገጢማ፣ ቃልሲ ዳያስፖራን ሜዳን ኣታኣሳሲራ ሞጎስ ህዝባ ዝኾነት ሚድያኹም ትግራይ ሚድያ ሃውስ TMH እዩ፡፡ድሕሪ ውዕሊ ፕሪቶርያ እውን እንተኾነ ሕዚ እውን መከራ ህዝብና ኣይተወደአን፡ልዕሊ ሚልየን ዝኾን ህዝብና ካብ መረበቱ ተመዛቢሉ ከርፋሕ ናብራ ይነብር ኣሎ፡፡ልዕሊ ሲሶ ግዝኣት ትግራይን ኣብኡ ዘሎ ህዝብናን ሕዚ እውን ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ሓይልታት ኣሎ፡፡
ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ጉዳኣት ጀጋኑና ገና ግቡእ ሕክምናን ደገፍን ከይረኸቡ ኣብ ከቢድ ፅጉም ኩነታት ኣለው፡፡በቲ ጅኖሳይዳዊ ኩይናት ዝበረሰት ትግራይና፣ ኣካላዊ፣ ፆታዊን ስነኣእምራዊን ጉድኣት ዝበፅሖ ህዝብና፣ ብሓፈሻ ብኹሉ መዳይ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ዝዓነወት ትግራይናን ህዝብናን ንምድሓን ገና ብዙሕ እዩ ዝተርፈና፡፡
ብፍላይ ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትግራይ ይራኣዩ ዘለዉ ህፀፃት ምሕደራን ሰብኣዊ መሰልን ካልኦት ፀገማትን ንኽፍትሑ፣ ካብ ዝኾነ ኣካል ነፃ ብምዃን ንረብሓታት ህዝቢ ትግራይ ወጊና፣ ደው ኢላ እትሙጉት፣ ዝተፈላለዩ ድምፅታትን ሓሳባትን ትግራይ እተጋውሕ ሚድያ፣ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ሕዚ እያ ተድልየና፡፡
ምእንተ ኢዚኦሙን ካልኦት ምኽንያታትን እዩ እምባኣር ኣፍቲ ፈታኒ እዋን ድምፂ ህዝቢ ምዃና ዘረጋገፀት፣ ብህዝብን ህዝብን ጥራሕ እትውነን ሚድያኹም ትግራይ ሚድያ ሃውስ TMH ህልውናኣ ክተረጋግፅን ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝሰርሐቶ ንላዕሊ፣ ብሓድሽ ኣወዳድባ፣ ኣሰራርሓን ኣቀራርባን ኣብሊፃ ንኽትሰርሕ ኩሉ ዝካኣለክን/ኩም ደገፍኩም ክትገብሩ እዚ ንተወሰነ እዋን ጥራሕ ዝፀንሕ ናይ Go Fund Me እቶት ናይ ምትእኽኻብ መስርሕ ኣዳሊና ዘለና፡፡
ኣቐዲምና ንእተበርክትዎ ሓገዝ ብሹም ህዝብና፣ ትካልናን ሰራሕተኛታት ትግራይ ሚድያ ሃውስ TMH ነመስግን፡፡የቐንየልና፡፡
ትግራይ ሚድያ ሃውስ TMH
You can make a difference by donating today to Tigrai Media House.Tigrai Media House (TMH) is a 501 C legally registered non-for-profit organization media platform designed to inform, inspire and engage the people of Tigray and Horn Afrika in General.0 supporters
About Tigrai Media House
TMH’s mission is to enrich the lives of Tigray people by providing captivating media through nonpartisan journalism. TMH will promote community dialogue through exchanging of information across different social, cultural, geographical, regional and ideological boundaries. This dialogue will assist in TMH’s endeavor to enhance tolerance, social integration and mutual coexistence among all east African people.
Find Tigrai Media House at
Causes
News and public information, Media access and policy, Communication media, Community and economic development, International relations
Established
2019
Verified on GoFundMe
2022
Tax ID
82-3019355
NTEE code
Media, Communications Organizations
Tigrai Media House is a 501(c)(3) public charity, EIN 82-3019355. Donations are tax-deductible. Select content is provided by GuideStar.